ክቡራት ኣሓትን ኣሕዋትን
ሓው ዩኤል ኣብ ላዕሊ ዝጻሓፎ ኣምቢብኩሞ ትኾኑ። ከምቲ ኣቦታትና ዝብልዎ "ዘረባ ክልተ ከይሰማዕካ ኣይትፍረድ" ከም ዝበሃል፡ ሪኢቶና ኣብቲ ናይ ዩኤል ክስታት እዚ ዝስዕብ መብርሒ ክንሕበሉ ንፈቱ፡
1) ጉዳይ ሜሮን እስቲፋኖስ:
በዚ ኣጋጣሚ ክንበሎ ንደሊ ሓፍትና ሜሮን እስቲፋኖስ ተሻሞ ካብ ዝምስረት ካብ (1 መስከረም 2012) ክሳብ ሕጂ፡ ልዕሊ ሰልሰተ ጊዜ ጋሻ ኮይና ተዓዲማ ኣላ፡፡ ብድሕሪ ሕጂውን ኣብ ዝኾነ ጊዜ ከም ኣድላይነቱ ደይትዕደመሉ ምኽንያት የለን።
2) ጉዳይ ካልድ ዓብዱ:
ብዛዕባ ሓውና ካልድ ዓብዱ እንተኾነ'ውን እቲ ኣብ ገዛ ተሻሞ ተዓዲሙ ኣብ ዝመጸሉ ጊዜ ፡ ቅድሚ ሓደ ምዓልቲ (ዓርቢ 5 ሚያዝያ 2013) ኣብ ስመር ፓልቶክ ተዓዲሙ ብዛዕባ ተሞክርኡ ኣብ ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንድሕነት ሃገር ( EYSNS ) ክዛረብ ተዓዲሙ ስለ ዝነበረን ኣብ ተሻሞ ድማ ብዛዕባ ምውህሃድ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣስተምሕሮ ክህብ ከም ኣጀንዳ ክስራዓሉ ስለ ዝሓተተ ገለ ኣባላት ተሻሞ ንምንታይ ከምቲ ኣብ ስመር ዘልዓሎ ኣጀንዳ ኣብ ተሻሞ'ውን ዘይዛረበሉ ዝብል ሕቶታት ኣልዒሎም ምንባሮም ንዝክር ፡፡ እንተኾነ ካልዕ ጊዜ ተመሊሱ ክዛረበሉ እዩ ዝብል መልሲ ስለ ዝተዋህበ ሓውና ኻልድ ዓብዱ ኣብ ቀዳም ሚያዝያ 6 2013 ብዛዕባ ምውህሃድ ስደተጃታት ዝብል ኣጀንዳ ኣብ ገዛ ተሻሞ ኣስተምሕሮ ሂቡ ፡፡ብድሕሪ ሕጂውን ከም ኣድላይነቱ ኣብ ገዛ ተሻሞ ዘይዕደመሉ ምኽንያት የለን።
3) ጉዳይ ዓርቢ ሓርነትን ስመርን:
ተሻሞ ከም ናይ ፓልቶክ ትካል ምስ ስመር ይኹን ምስ ዓርቢ ሓርነት ጸገም ኔሩና ኣይፈልጥን፡ ክሕልወና' ውን ኣይንጽበን፡፡ ከም ኣብነት ክንጠቕሶ ንደሊ ብዛዕባ ሓባራዊ ስራሕ ምስ ዓርቢ ሓርነትን ስመርን ተሻሞን ንኣድንቆት ስርሒት ፎርቶ ኩሉ ኣባል ተሻሞን ኤርትራዊ ዝተቀበሎ ዕውት መደብ ከምዝነበረ ክንሕብር ንፈቱ፡፡
4) በዚ ኣጋጣሚ ከይጠቐስናዮ ክንሓልፍ ዘይንደሊ፡ ሓውና ዩኤል እዩ ኣማሓዳሪ ናይ ስመር ዝነበረን ምስ ካልኦት ኮይኑ ንስመር ጠንጢኑ ዝወጸን ዲሒሩ' ውን ኣብ ምምስራት ተሻሞ ዝተጸምበረን ፡፡ ሓው ዩኤል ካብ ዘልዓሎ ግን ንዓና' ውን ሕንቅልሕንቅሊተይ ኮይንና ዘሎን ክምልሶ ዘለዎ ሕቶን፡ ንምንታይ እዩ ንሱን ብጾቱን ንስመር ጠንጢኖም ወጽዮም?
ናብ ጉዳይና ክንምለስ እንተኾይና ግን እቲ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ዝመጸ ምስ ስመር ወይ'ውን ምስ ዓርቢ ሓርነት ብሓባር ክንሰርሕን ኣይክንሰርሕን ኣብ ዝብል ጉዳይ ኣይነበረን። እቲ ኣብ ሞንጎ ኣባላት ተሻሞ ዘካትዕ ዝነበረን ዘሎን ብኣባላት ውሳኔ ዘይረኸበን ግና ምዓስን ብኸመይን ከም ኣድላይነቱን ብሓባር ንሰርሕን እዩ ፡፡ ሓቂ እዩ ገለ ኣባላት ተሻሞ ኣቲ ሓዊ ዩኤል ብውልቀ ዋኒኑ ውሽጣዊ ሕጊ ተሻሞ ብምጥሓስ፣ ተሻሞ ከም ውልቃዊ ንብረቱ ቆጺሩ ኣብ ክወስዶ ዝጸንሐ ውሳነታት ንምእራሙን ናብ ሕጋዊ ኣካይዳ ክምለስ ዝጠለቡ ዝጻሃፍዎ መልእኽቲ: ንሓቤሬታኹምን ኣብ ታሕቲ ተመልከቱ፣
እታ
ነዚ
ጉዳይ
ክትኣልይ
ዝተመዘዘት
ሽማግለ
ስራሓ
ተሰላስል
ጸኒሓን
ኣላን።
No comments:
Post a Comment