እዚ
መወከስን፡ መበገስን ድኣምበር ውዱእ ሰነድ ዘይምዃኑ ኣቐዲምና ንሕብር
1.
ራእይ ‘ተሻሞ ኤርትራዊ ንዲሞክራስን ፍትሕን እንታይ እዩ
1.1
ኣብ ኤርትራ ፍትሒን፥ ዲሞክራስን ፥ ስርዓተ ሕግን ንኽነግስ ዝቃለስን ዘቃልስን፥ ንግላዊ ውደባዊ ጥርናፈ የኸብር፣ ኮይኑ
ግና ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኹሉ ይሰርዕን፡ ይሰርሓሉን፡፡
ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ንምምጻእን ነቲ ንሕብረተሰብና ሓሊኩ ሒዝዎ
ዘሎ ርእይቶካ ናይ ብሓርነትን ብምክብባርን ምግላጽ ንፉሉይ ሓሳብ ዘለዎም ምስማዕ ኣብ ክንዲ ተጻይ ምርኣይን ኮታኩሉ ምጽውዋርን
ምክኣልን ንምንጋስ፥ ከማኡውን ምስ ህልው ኩነታት ሃግርና ዝከይድ ንህዝብና ኣንጻር ምልኻዊ ስርዓት ህግደፍ ምልዕዕእልን ብግብሪ
ናብ ባይታ ከምዝወርድ ምትብባዕን ምጉስጓስን እዩ፡፡
2. ቅጥዕን
ኣካይዳን ተሻሞ ኤርትራዊ ንዲሞክራስን ፍትሕን
2.1 ዘመናዊ ናይ ኢንተርኔት መራኸቢ ፓልቶክ ተጠቒምካ፣ ኤርትራውያን ካብ
ዘለውዎ ብዛዕባ እዋናዊ ጉዳይ ህዝቦምን ሃገሮምን ናጻ ኮይኖም ክመያየጡን ክዝትዩን ዘኽእሎም ባይታ ምፍጣር እዩ።
2.2 ንኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ብዘይ አፈላላይ ብሔር፡ ዓሌት፡ ጾታ፡ ሃይማኖት፡
ዕድመን ፖለቲካዊ እምነትን ብማዓረ የእንግድን የሳትፍን፡፡
2.3 ንዝኾነ ወድ ካልእ ዜጋ’ውን ንኽብሪ ህዝቢ ኤርትራን ሃገር ኤርትራ ስጋብ
ዘይተንከፈ ብኽብሪ የእንግድ፡ ይኩን እምበር ኣብ ሩም ኣቱዩ ብዛዕባ ዉሽጣዊ ፖለቲካዊ
ጉዳይ ሃገር ኤሪትራ ዝኮነ ሪኢቶ ክህብ ግን መሰል የበሉን፡፡
2.4 ምስዝኾነ አንጻር ህግደፍ ዝቃለስ ሓይሊ ኢድ
ንኢድ ተታሓሒዙ ይስርሕ፡፡
2.5 ብኹሉ ዓቅምታቱ አንጻር ሕግደፍ ይሰርሕን ይጉስጉስን፣ ክምህሩ ዝኽእሉ
ኣጋይሽ ይዕድምን የእንግድን፡፡
2.6 ገዛ ብኤርትራውያን ይመሓደርን፣ይምራሕን፣ ይእለን። ካብ ዝኾነ ኢድ ምትእትታው
ናይ ደገ ናጻ ይኸውን። አብ ምክብባር ዝተሞርከሰ ምትሕግጋዝ ግን የፍቅድ፡፡
3. ኣድሚናት ብኸመይ ይምረጹ?
ኣድሚን ዝበሃሉ ነቲ ገዛ
ንምቁጽጻር ኣካያዲት ሽማግለ ዝምዘዙን ኩሉ ስርሓቶም ድማ ንተሳተፍቲ ብማዕርነትን ነጻነትን ኣብቲ ገዛ ከምዝዋስኡ ዝገብሩን ዝቆጻጸሩን
እዮም።
3.1 ወሰኸን/ምጉዳልን ኣድሚናት ምስዘድሊ፣ ጠርናፊት ሽማግለ ተላዚባን ገምጊማን
አጽኒዓን ትውስን። ብኢድ ወነንካ አድሚን ሙውሳኸ አይፍቀድን።
3.2 ብቕዓት ኣለዎም ንዝበሃሉ ውልቀሰባት፣ ዝኾነ ኣባል ብጽሑፍ ንኣድሚንነት
ክሓጽዮም ይኽእል እዩ፣ ግና ካልኦት ክልተ ኣባላት ነቲ ሕጽያ ክድግፍዎ (endorse) ክገብሩዎ ኣለዎም፣ ብድሕሪኡ በታ ብጠርናፊት
ሽማግለ ተመዚዛ እትቐውም ኣካያዲት ሽማግለ ዝውሰን ይኽውን፡፡
4. ናይ ኣድሚናት መሰል፣ ስራሕን
ሓላፍነትን፡
4.1 ኣድሚናት ኣብ
ካልእ ገዛ አድሚናት ኮይኖም ምዝርኽቡ፡ ኣብዚ ገዛ ዝተዋሓቦም ናይ ኣድሚንነት ሓልፍነት ይእገዱ፡፡
4.2 ኣድሚናት ኣብ ጊዜ ስራሕ ቀንዲ ስርሖም ነቲ ገዛ ምእላይ እዩ፣ ይኩን
እምበር ከም ተሳተፍቲ ሪጋ ሒዞም ርእይትኦም ክህቡን ክዋስኡን ይኽእሉ እዩም። እቲ ዝምረጽ ካብ ባዕሎም ብዙሕ ዝዛረቡን ናቶም ሓሳብ
ብቐጻሊ ዝገልጹን፣ ንኻልኦት ዕድል ክህቡን፣ ከመርሑን ከወሃህዱን ከለው እዩ፣ ኣብ
ገዜ አጋይሽ ፡ ዘይሻርውነት ናይ ገዛ ንምዕቓብ ተረኛ ኣድሚናት ንገዛ ኸምሓድሩ እምበር ሕቶ ኽሓቱን ርእይቶ ኸሕቡን ኣይፍቀድን፡፡
4.3 ኣድሚናት ቅድሚ ስራሕ ምጅማሮም፣ ምስቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣድሚናት ብውልቂ
ተራኺቦም እቲ ናይ’ቲ እዋን ዛዓባ እንታይ ምዃኑ፣ ዝኾነ ጸገማት እንተሎ፣ ናይ ምዝራብ ግዜ ገደብ እንተሎ፣ መደብ ናይ ምቕያር
ጊዜ ኣኺሉ እንተኾይኑ፣ ካልእ ክፈልጡዎ ዘለዎም ነገራት እነተሎውን ክሕበሩ ኣለዎም።
4.4 ዝኾነ ኣድሚን፣ ስራሕ ኣብ ዝጅምረሉ እዋን፣ ስሙ ከላልይ፣ ነቲ እዋናዊ
ዛዓባ በብእዋኑ ክሕብርን፣ ሰባት ኣብቲ ዝካየድ ዛዓባ ኣድሂቦም ንኽዛተዩ ክኣልይ ይግባእ።
4.5 ኣድሚናት መደባት ኣብዝመርሑሉ እዋን፣ ነቲ ሓቀኛ ሽሞም ኪጥቀሙ ምሩጽ
እኳ እንተኾነ፡ ብርዱእ ምኽንያት ሽሞም ምጥቃም ንዝይክእሉ ግን ብዝተኽኣለ መጠን እቲ ዝጥቀመሉ ናይ ፓልቶክ ኣስማት፣ ኣብ ሕብረተሰብና
ተቐባልነት ዘለዎን ታሪኻውን ጂኦግራፍያዊ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ እንተኾነ ይምረጽ።
4.6 እዋናዊ ዛዕባ ኣብ ሰሌዳ ናይ’ቲ ገዛ ምጽሓፍን ዛዕባ ምስተወድእ ምልዓልን፣
4.7 ሕግታት ናይቲ ገዛ ብንጹር ንተሳተፍቲ ምሕባርን፣ ሕጊ ናይ ገዛ ምጥሓስ
ዘስዕቦ ሳዕቤን (ቀይሕ ምሃብን ምስግጓግን ጠቕላላ ድማ ካብቲ ገዛ ምእጋድን) ዝኣመሰሉ ምግላጽ።
4.8 ንኹሉ ሰብ ብማዕረ ምርኣይ፣ ዝያዳ ሓለፋ ዘይምግባር፣ብጀካ ሓጺር፣ ህጹጽን እዋናውን ሓበሬታ ንዘለዎም፡ ብዘይ ሪጋ ማይክሮፎን ዘይምሃብ። ።
4.9 ኣብቲ ገዛ ብዝተፈላለየ መገዲ ክርብሽ ንዝፍትን፣ ቅድም መጠንቀቅታ ይወሃብ፣
እንድሕር ዘይተቆጠበ/በት፣ ነቲ ኩነታት ዝመሳሰል ስጉምቲ ምውሳድ (ጥንቁቕ ዝኾነ ስጉምቲ ክኸውን ይግባእ)። እንድሕር ድኣ ሓደ
ሰብ ተሰጉጉ (ባውንስ) እቲ ዝሰጎጎ ኣድሚን ንምንታይ ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ብጽሑፍ ሓጺር ጸብጻብ ናብ ኣካያዲት ሽማግለ ክሰዲድ
ኣለዎ። ናይ ዝኾነ ሰብ ካብቲ ገዛ (ባን) ምእጋድ፣ ብኮሚቲ ክውሰን ኣለዎ፡ኣብ ስራሕ ዘይሎ ኣድሚን ባውንስ ባን ኪገብር ኣይፍቀደሉን። ብኣፍልጦን ፍቃድን ናይቲ ኣብ ስራሕ ዘሎ ኣድሚን ግን ምትሕግጋዝ ይከኣል
እዩ።
4.10 ተጻዋርነት
ምርኣይ፣ ንተሳተፍቲ ምኽባር፣ ካብ ምቁንጻብ ምቑጣብ
4.11 ዝኾነ ናይ ኣድሚናት ዘይምርድዳእ ኣብ ስቱር ምፍትሑ፣ እንድሕር ባዕሎም
ክፈትሕዎ ዘይክኣሉ፣ ንኣካያዲት ሽማግለ ብእዋኑ ምሕባር። ኣብ ቅድሚ ተሳተፍቲ ናይ ኣድሚናት ምምልላስ ኣይፍቐድን። ኣብ ሞንጎ ኣድሚናት
ምክብባርን ምጽውዋርን ክህሉ ይግባእ።
4.12 ኣድሚናት መልእኽቶም ብጽሑፍ ንምሕላፍ፣ ፍሉይ ሕብሪ ክጥቀሙ ይግባእ
4.13 ኣድሚን ኮይኑ ከገልግል ዝምረጽ፣ ካብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ጸግዒ ነጻ ክኸውን
ይምረጽ፡ እንተዘይኮይኑ ግን ኣድሚን ኣብ ዘለወሉ እዋን ካብ ሻራነት ክጥንቀቅ ይግባእ፡ ብመርትዖ ዝተሰነየ ክሲ እንተተረኪብዎ ግን
ካብ ናይ ኣድሚን መዝነቱ ይገድፍ።
4.14 ዝኾነ አድሚን ካብቲ ናይ ገዛ ሕጊ ወጻኢ እንተድኣ ተዋሲኡ፣ ዘይስነምግባራዊ
ባህርያት እንተድኣ ኣርእዩ፣ ከምቲ እቲ ክብደት ናይቲ ጌጋ ተራእዩ ዝግባእ ስጉምቲ ይውሰደሉ።
4.15 ዝኾነ አድሚን ናይዚ ገዛ ብግሉ ዝኮነ ንሩም ዝምልከት ርክባት ክገብር ኣይፍቀድን፥ ርክባት ናይ ደገ ባኣካየድቲ ሽማግለ ይካየድ ወይ ንሶም ብዝወከልዎም።
4.16 አድሚን መሰል ተሳተፍቲ ይሕሉ፣ ካብ ሕጊ ገዛ ወጻኢ ንዝኸይድ የጠንቅቅ፣
ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ንዝኾኑ መጀመርያ ቀይሕ (Red) ሂቡ ከዘሓሕል ይፍትን፣ ምዃን እንተአብዩዎ ግን ክስጉግ (Bounce) ይኸእል።
4.17 ኣድሚናት ነቲ ዝተዋህቦም ሓላፍነት ንውልቃዊ ሕልኸ መውጽኢ ክጥቀሙሉ ኣይግባእን፡፡
4.18
ኣብ ልዕሊ ኣድሚናት ዝወርድ መጥቃዕቲ ብሕጊ ገዛ ክምከት ኣለዎ።
14.19
ዚኮነ ኣድመን ንዚኮን ኻልእ ኣድመን ክስጉግ (Bounce) ኽእግድ (ban)
ኺገብር ኣይፍቐድን፡ ንዚኮነ ኣድመን ናይ ምስጓጉን ምእጋድን ስልጣን ዘለዋ አካያዲት ሽማግለ እያ፡፡
5
ኣጋይሽ፡-
ኣጋይሽ ማለት ብዛዕባ ሃገርን
ህዝብን ዝኣክል ኣፍልጦን ሓበሬታን ንህዝቢ ንምትሕልላፍን ኣስተምህሮ ንምሃብን ዕድመ ተገይሩሎም ኣብቲ ገዛ ዝመጹ እዮም። ኣጋይሽ
ኩሉ ዓይነት ክእለት ዘለዎም ክኾኑ ይኽእሉ። እዚ ማለት ኣብ ፖለቲካዊ፣ ቁጠባውን ማሕበራውን መዳያት በብዝምልከቶም ሞያ ምኽርን
ሓሳብን ንዜጋታት ዘስንቑ ማለት እዩ።
5.1 ሕግታት ናይቲ ሩም ንኹሉ (ንኣማሓደርቲን ነጋይሽን ንሰማዕትን) ብማዕረ
ይምልከት፣
5.2 ዝኾነ ተዓዲሙ ዝመጽእ ጋሻ፣ ቅድሚ መደረ ምጅማሩ፣ ሕግታት ናይ’ቲ ገዛ
ክግለጸሉ ኣለዎ።
5.3 ዝኮነ ናብዚ ገዛ ዝመጽእ ጋሻ፣ ሙሉእ ስሙን፣ ኣድራሽኡን ክገልጽ ይግባእ።
ምናልባት ዘሰክፎ እንተኾይኑ፣ ኣማሓደርቲ ናይታ ገዛን ኣድሚናትን ክሕበሩ ኣለዎም፣ እዚ ማለት ንዝኾነ ተሓታትነትን ተኣማንነትን ቅኑዕነት ናይቲ ሓበሬታን ንምርግጋጽ
ስለዝሕግዝ።
5.4 ዝኾነ ሰብ ነቲ ራእይን ዕላማን ናይቲ ገዛ ክሕግዝ ይኽእል እዩ ዝብል
ኣስተምህሮ ክህብ ምስዝደሊ፣ ነቶም ናይ ገዛ ኣምሓደርቲ ብጽሑፍ ሓሳቡን ድሌቱን ንክገልጽ ይምረጽ። እንተዘይካኢሉ ግን ብቐጥታ ምስቶም
ናይቲ ገዛ ኣምሓደርቲ ተራኺቡ ክመያየጥ ይኽእል እዩ።
5.5 ኣባላትን ተሳተፍትን እሳቶም ዝመስሎም ጋሻ ንኽዕደም ሓሳብ ክቕርቡ ይኽእሉ
እዮም፣ እቲ ውሳነ ግን ናይ ኣምሓደርቲ ናይቲ ገዛ ይኸውን።
5.6 ክብሪ ዕዱም ጋሻ ኽሕሎ ይግባእ፡፡
6
ተሳተፍቲ (ህዝቢ)መሰሎምን፣ሓላፍነቶምን፥
ተሳተፍቲ ማለት ኣብቲ ገዛ
ዝኾነ ውሳነ ናይ ምሕላፍ ስልጣን ዘይብሎም ኮይኖም፣ ኣብቲ እነካይዶ ንለውጢ ዝደረኸ ቃልሲ ፍልጠቶም፣ ጊዜኦምን ተሞክሮኦምን ዘበርክቱን
ሓሳቦም ዝገልጹን ኣድላይ ምስዝኸውን ድማ ብሓለፍቲ ገዛ ኣብ ዝወሃቦም ፍሉይ ሓይሊ ዕማም ተሳቲፎም ቃልሲ ከምዝሓንን ዝገብሩ ዜጋታት
እዮም።
መሰል ተሳተፍቲ ኣብ ገዛ እንታይ እዩ።-
6.1 ተሳተፍቲ መሰሎም ክሕለወሎም ይግባእ፣ እሶም’ውን ናይ ካልኦት ተሳተፍቲ
ይኹን ናይ ኣድሚናት መሰል ክኽብሩ ይግባእ።
6.2 ዝኾነ ተሳታፋይ ናይ ካልኦት መሰል ስጋዕ ዘይግሃሰን፣ ብስነ ምግባር
ቅቡላት ዘይኮኑ ኣቀራርባ ክሳብ ዘይተኸተለን ንሃገርን ህዝብን ይጠቅም እዩ ዝበሎ ንኽዛርብን ንኽገልጽን ነጻነት ኣለዎ፡፡
6.3 ነካይዶ ቓልሲ ናይኩሉ ተሳትፎ ከምዝሓትት መጠን፣ ተሳታፋይ ኣብዚ ገዛ
መጺኡ ኣስተምሕሮ ክህብ ይኽእል እዩ፣ ወይድማ ህዝብን ሃገርን ክስንድዎ ዝግብኦም ሃበሬታ ኣለዎ ንዝብሎ ሰብ ኣብዚ ገዛ ከም ጋሻ
ንክዕደም ብጽሑፍ ነታ እትቐውም ሽማግለ ከቐርብ፣ ወይድማ ምስ መራሒ መደብ ናይ’ቲ ዕለት ብቐጥታ ብምርኻብ ክሕብር ይኽእል፣ ውሳነ ግን ብምምሕዳር ሽማግል ይውሰድ፡፡
6.4 ተሳተፍቲ ኣብቲ ገዛ ንዝርእይዎ ናይ ኣሰራርሓ ጉድለታት ናይ ምእራም
መሰል ኣለዎም፡፡
6.5 ጉድለታት ንምእራም ኣብዘካይድዎ ጻዓሪ፣ ዘዕግብ ውጽኢት እንተዘይረኺቦሙሉ
ግን፣ ክመሓየሽ ኣለዎ ዝብልዎ ጉድለታት ነቲ ንምእራም ይጠቅም እዩ ዝብልዎ ርእይቶ ብጽሕፍ ናብ ምምሕዳር ሽማግለ ናይ ምቅራብ መሰል
ኣለዎም፡፡ ሽማግለ ንርእይቶኦም ተቐቢላ ከከም ኣድላይነቱ መደባት ንምዕባይ ክትጥቀምሉ እያ፡፡
6.6 ምምሕዳር ሽማግለ ናይቶም ብጽሑፍ ርእይቶም ዘቅርቡ መንነት ምዕቃብ ግዴታ
ኣለዋ፡፡
6.7 ተሳተፍቲ ንገዛ ዝጠቅምን ምሃርን ሓጋዝን ዝኾነ
ሓሳባት ናይ ምቅራብ ሙሉእ መሰል ኣለዎም፡፡
6.8 ኣርእስቲ ናይ ምቕራብን ናይ ምውድዳርን መሰል ይሕልዎም፡6.9 ተሳታፍነት
ደቂ ኣንስትዮ ንምዕዛዝ ዕዱማት ኣጋይሽ ኣብ ዝመጽሉ እዋን ሓለፋታት ምምሃብ ንኽሓታ
ዕድል ምሓብ።
ሓላፍነት ተሳተፍቲ፡-
6.9 ብሕጊ ናይዚ ገዛ ምቅያድን፡ ሪጋኻ/ተራኻ ሓሊኻ ኣብ ማይክ ምቅራብ፡
ናይ ግዜ ደርት ምኽባር፡ ምምእዛዝን፡፡
6.10 ኣድሚናት ኣብቲ ዝመርሕዎ መደባት ንዝረኣዩ ጉድለታትን ኣጋጣሚታትን ኣብ
ግምት ብምእታው ንዝወስዶም ተወስኽቲ ስጉምትታት ተማእዘዝቲ ይኾኑ፡፡
6.11 ኣብ ዝለዓሉ ክትዓት ተሳተፍቲ ንሓሳባት ብሓሳባት መልሲ ክህቡሉ ድኣምበር
ኣብ ውልቃዊ ሕልኽን ቅርሕንትን ኣትዮም ክብሪ ናይቶም ሓሳባቶም ዝገልጹ ውልቀሰባት ምትንካፍን ምንእኣስን ኣይፍቀድን፡፡
6.12 ጸርፍን ምዝንጣልን ፈጺምካ ኣይፍቕድን፡፡
6.13 ካብቲ ንመዛተይ ዝቐረበ ኣርእስቲ ዝወጸ ኣፍልጦ ኣብዘየጨብጥን ኣብ ሸንኮለል
ዘእትውን ጉዳይ ምልዓል ኣይክእሉን። ከምዚ ዓይነት ተረክቦ ምስዝህልው ኣድሚናት ንተሳተፍቲ ኣርእስቲ ክሕልው ናይ ምሕባርን ስርዓት
ናይ ምትሓዝን ስልጣን ኣለዎም።
7 ፋይናንሳዊ ምንጪ
7.1 እዚ ማሕበራዊ መራከቢ ሚድያ ባይታ ፓልቶክ ሩም እዚ: ብኣባላት ናይ
ዚ ገዛ ወፈያን ወርሓዊ ክፍሊትን ይካየድ፣ መጠን ወርሓዊ ውጽኢት ብዝምልከት ብጠርናፊት ሽማግለ ዝውሰን ኮይኑ፣ ዝኾነ ኣባል ገዛ
ድማ በቲ ውሳነ ይቐየድ።
7.2 ሓደ ኣባል ነቲ ዝተሰልዕ ወርሓዊ ክፍሊት ክከፍል ምስዘይክእል፣ ኩነታት
ኣታዊኡ ስጋብ ዝመሓየሽ፣ ካብ ወርሓዊ ክፍሊት ነጻ ንክኽውን ጠርናፊት ሽምግለ ትውስን።
8 አመራርጻ ናይ መዛተይ ዛዕባን (ቶፒክ) ኣገባብ ኣተሓሕዛ ክትዕን
8.1 ካብ ተሳትፈቲ ኣርእስቲ መካትዒ ዛዕባ ንክቐርብ መጸዋዕታ ይቐርብ
8.2 ናይ መጀመርያ አርባዓተ ሰባት ኣብ ሪጋ ኣርእስቶም ከፋልጡን ከብርሁን
5 ደቂቕ ይወሃቦም፡
8.3 እተን ናይ መጀመርያ አርባዕተ ዛዕባ ናብ ውድድር ብተሳትፍቲ ይቐረባ፣
ነርባዕቲኦም አወዳደርቲ ማዕረ ገዜ (4 ደቂቕ) ይወሃቦም
8.4 እታ ቀዳመይቲ ዝወጸት ዛዕባ ውሱን ጊዜ ናብ መድረኽ ንክትዕ ትቐርብ፣
ተሳታፊቲ ምዝህልዉ እንተውሓደ ን2ተ ሰዓት እንተበዝሐ ድማ ካብ 4 ሰዓት ዘይሓልፍ ክትዕ ይካየደሉን፣ ጭቡጥ መደምደምታ ተጌሩሉ ድማ ይዕጾ፡፡
9 ናይ ጊዜ ገደብ/ደረት፡
9.1 ንጋሻ ንምሕታት ዝወሓብ ጊዜ ካብ 2ተ ስጋብ 3ደቂቅ ይኸውን
9.2 ንጋሻ ዘረብኡ ምስወድእን ካብተሳተፍቲ ዝቀርበሉ ሕቶ ምስመለሰን: ብዝሒ
ወሃብቲ ርእይቶን ነቐፌታን ኣብ ግምት ብምእታው ኣድሚናት ንተሳተፍቲ ካብ 5ተ ስጋብ 10ደቓይቕ ኣብዘለዎ ጊዜ ርእይቶኦምን ነቐፌቶኦምን
ንኸቅርቡ ይፈቕድ፡፡
10 ኣባልነት
ኣባላት ዝበሃሉ እቶም ነዛ
ገዛ ንምምስራት ዝሳተፉ ዘለውን ዓቕምታቶም ኣወሃሂዶም ኣብ ምስራሕ ዝርከቡን እዮም። ይኩን እምበር ነዚ ሕጊ እዙይ ተማእዘዝነቱ ዘረጋገጸ ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድኡ ኤርትራዊ ዜጋ ክፉት እዩ።
10.1 መሰላት
ኣባልነት፡-
ሓደ ኣባል ብመሰረት ክእለቱን ተወፋይነቱን ኣብ ዝኮነ ይኹን ጽፍሒ ናይዚ ገዛ
ብመሪሕነት ወይ’ዉን ብተመራሕነት ክዋሳእ መሰሉ ሕለው ኢዩ።
ኩሎም ኣባላት ህዛ፡ ማዕረ መሰል ኣለዎም።
ንመንፈስ እዚ መምሓደሪ ሕጊን ውሳኔታትን መሪሕነት ገዛ ብዘይጻረር ኣገባብ፡ ሓደ ኣባል ገዛ ናይ ሓሳቡ ምግላጽ
ነጽነቱ ሕልው’ዩ።
ብድሌቱ ኣባልነቱ ክስሕብ ይኽእል።
ንዕኡ ዝምልከት ክስታት ኣብ ዝቐርበሉ ግዜ፡ ኣብ ኣኼባታት ገዛ ተረኺቡ ንርእሱ ይከላኸል።
ነዚ ሕጊ’ዚ መሰረት ብምግባር ዝተሰጎገ ኣባል፡ ኣብ ጠቕላላ ኣኼባ ገዛ ጥርዓኑ ንከቕርብ መሰሉ ሕልው’ዩ፡፡
10.2 ግቡኣት ኣባልነት፡-
ንመምሓደሪ ሕጊ ገዛ ይምእዘዝን ይሕለቕን።
መደባትን ውሳኔታትን መሪሕነት ገዛ ይፍጽም።
ኣብ ምዱብን ህጹጽን ኣኼባታት ገዛ ተሳትፎኡ
የረጋግጽ።
ብጠርናፊት ሽማግለ ዝዉሰነ ኣባልነታዊ ክፍሊት
ይኸፍል።
11 ስርዒታዊ
ቅርጻ፡-
ጠቕልላ ኣኼባ
ገዛ፣
ጠርናፊት ሽማግለ፣
ኣካያዲት ሽማግለ፣
ኣማኻሪት ሽማግለ፣
12 ኣቃውማን ሓላፍነትን ጠርናፊት ሽምግለ፡ (General Board)
12.1 ንግዚኡ ኩሎም መሰረቲ ገዛ
አባላት ጠርናፊት ሽማግለ እዮም፣ ካብ ሞንጎኦም ሓንቲ ሰለሰት ዝኣባላታን ሽድሽተ ወርሒ እተገልግል ኣካያዲት ሽማግለ ይመርጹ።
ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ግን ጠቕላላ ኣኼባ ገዛ ምብጽዋዕ እቲ ግቡእ ስርዕታዊ ቕርጺ ከምዝተሓዝ ይግበር።
12.2 ጠርናፊት ሽማግለ ስራሕ ናይ አካያዲት ሽምግለ ገዛ ትቆጻጸርን
ትከታተልን፣ ቁጽሪ ናይ ዚውስኹ /ዝጎድሉን ኣድሚናት ትግምግምን ትውስንን።
12.3 ኣባልነት ናይዛ ዘላ ጠርናፊት ሽማግለ ስጋዕ ጠቅላላ ኣኼባ ዝካየድ እዩ፣
12.4 ጠርናፊት ሽማግለ ብሓደ ኣዋሓሃዲ ናይ ጠርናፊት ሽማግለ (ኣቦ መንበር) ብሓደ ጽሓፍን፡
ትምራሕ ኮይና፣ ኣኼባኣ ድማ ኣብ ወርሒ ሓደ ጊዜ ተካይድ።
12.5 ጠርናፊት ሽማግለ ብትውሳኺ ገንዘብን ንብረትን ገዛ እትቖጻጸር ተቖጻጻሪት ኮሚተ ካብ ኣባላታ ትመዝዝ።
13 ኣቃውማን ሓላፍነትን አካያዲት ሽምግለ፡ (Executive
Board)
13.1 አካያዲት ሽማግለ ምዓልታዊ ስራሕ ናይ ገዛ ምውህሃድን ምቁጽጻርን ምክታትልን
ሓላፍነት ይህልዋ፡፡ ነቲ ራእይን ዕላማን ናይቲ ገዛ ናይ ምትግባርን ምሕላውን ምክልኻልን ሓላፍነት ኣለዋ፡፡
13.2 ውሳነታት ናይ ጠርናፊት ሽማግለ ተተግብርን ትከታተልን ፡፡
13.3 አባላት አካያዲት ሽማግለ ብጠርናፊት ሽማግለ ዝምረጹ ኮይኖም ናይ ስልጣን
ዕድሚኦም ድማ ሽድሽተ ወርሒ ይኸውን። ድሕሪ ሽድሽተ ወርሒ ብኣኼባ መልክዕ ምርጫ ኣካይዱ፣ ሓደሽቲ ኣካየድቲ ሽማግለ ይመርጽ፣ ወይ
ድማ እቶም ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ኣካየድቲ ሽማግለ ብከፊል ወይ ብምልኦም
ከምእንደገና ክምረጹ ይክእሉ እዮም።
13.4 ኣዋሓሃዲ ናይ ኣካያዲት ሽማግለ (አቦ ወንበር) ፣ ጸሓፊ/ት፣
ተሓዝ ገንዘብ ብጠርናፊት ሽምግለ ይምረጹ፡፡
13.5 አካያዲት ሽማግለ
በብእዋኑ እንዳተኣከበት ስራሓ ተሰላስል፣ ከምኡ’ውን ጸብጻብ ኣብ ናይ ወርሓዊ ኣኼባ ጠርናፊት ሽማግለ ተቕርብ።ኣካያዲት ሽማግለ
ኣብ ነብስ ወከፍ 2 ሰሙን ምዱብ ኣኼባ ተካይድ፥ ኣድሚናት ገዛ ብኣከያዲት ሽማግለ ዘይተ ማእከለ ኣኼባ ክገብሩ ክልኩል እዩ።
13.6 ሕቶ ምስጓግ ተሳተፍቲ
ካብቲ ገዝ ብዝቐርበላ ጭቡጥ መርትዖ ብምምርኳስ ሓላፍነታዊ ዝኾነ ስጉምቲ ትወስድ፡፡
13.7 አካዪዲት
ሽማግለ ማዓልታዊ ናይ ፓልቶኽ ጽብጻብ/ሪፖርት ኪትኻታተሎን፡ ንዚርእ ዘይንቡር ዚመስል ቀይሕ ምሓብን፡ ምስጓጉን ምእጋድን ብጉቡኡ
ትከታተሎን፡፡
14. ኣቃውማን ዕማምን ኣማኻሪት ሽማግለ
14.1 ኣማኻሪት ሽማግለ
ኣብ ገዛ ንዝረኣዩ ጉድለታት ንኽእረም ተማኽርን ተዛትን ሽግራት ምስ ዝፍጠር’ ውን ሕውነታውን ባህላውን ልምዲ ተጠቒማ ሰላም እትፈጥር
ኣብ ዕብየት ገዛን ቃልስን ዘለዋ ኹሉ ተሞክሮ ተጠቒማ ንኹሉ ዝካየድ ቃልሲ ናብ ጽቡቕ ንኽምርሕ ትሕግዝን ኣካል እያ።
14.2 ኣባላት ኣማኻሪት
ሽማግለ ካብ 3 ስጋብ 5 ኣባላት እትቐውም ኮይና ብኹሎም ኣባላት ጠርናፊት ሽማግለ እትጸድቕ ኣካል እያ።
14.3 ኣባላት ኣማኻሪት
ሽማግለ ህሉው ኩነታት ሃገሮም ብጉቡእ ዝርድኡ፣ ሓልዮት ህዝብን ሃገርን ዘለዎም፣ ነዚ ኣብዚ እዋን ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ንለውጢ ኩሉ
መዳያዊ ኣበርክቶ ካብ ምግባር ድሕር ዘይብሉን ካብ ውልቃዊ ረብሓ
ህዝባውን ሃገራውን ረብሓ ዘቐድሙ፣ ካብ ጸቢብ ዓሌታዊ ውድባዊ ሃይማኖታውን ብሄራውን ኣተሓሳስባታት ዝረሓቁ ዜጋታት ክኾኑ ይግባእ።
14.4 ኣማኻሪት ቀጥታዊ
ተጸዋዕነቶም ንጠርናፊት ሽማግለ ኮይኑ፣ ወርሓዊ ጸብጻቦም ድማ ናብ ጠርናፊት ሽማግለ የቕርቡ።14.5 ኣማኻሪት ሽማግለ ንገዛ ኣብ ሓደጋ ከእትው ይኽእል እዩ ኢላ ትሓስቦን
ብህጹጽ ክእረም ኣለዎ እትብሎ ጉዳይ ምስዝህልውን ጠርናፊት ሽማግለ ብህጹጽ ንክእከብ ብጽሑፍ ክትሓትት ትኽእል።
15. አገባብ ምርጫን (ውሳን) ድምጺ ምሃብን ኣፈጻጽሙን
15.1 እብ ኩሉ ዚግበር ናይ ገዛ ኣኼባ ምላእት ጉባኤ ስለስት ርብዒ (3/4) እዩ፡
15.2 ኣብቲ ቀድማይ ኣኼባ ምላእተ ጉባኤ ምዝይማላእ ውሳነ ድምጺ ከይተተግበረ ንኻልእይ ግዜ እቲ አኼባ ይማሓላለፍ፡
ኣብቲ ዝተጸውዔ ካልአይ ኣኼባ በቲ ዚተርኺበ ብዚሂ ስብ ውሳነ ድምጺ ይዋሃብ፡፡
15.3 ኩሉ ውሳን ድምጺ ብቀሊል ብዚሔ ህዝቢ
(Simple Majority 51%) ሲምብል ማጆሪትይ ይውሰን፡፡ አቲ
ውሳን ድምጺ ሓምሳ ብሓምስ ምዚኽወን (50/50) ናይቲ ኣቦ መንበር (አማሓዳሪ) ዘለዎ ወገን ይስዕር፡፡15.4 ውሳነ ድምጺ ብአካል ኣብ አኼባ ንዘልዉ ጥራይ ይፍቐድ፡፡
15.51 ውሳነ ድምጺ ሃንሳብ ምስሓለፈን ምስጸደቀን ኣይቅየርን፡
ነቲ ዛሓለፈ ውሳነ ድምጺ ዳግመ ግምት ንኺግበርሉ መጀመርያ ሓምሳ ካብሚኢቲ ድምጺ ኺረኪብ ኣለዎ፡ ድሒሪኡ ነቲ ውሳነ
ብሓድሽ ውሳነ ክቕየር ስለስት ርብዒ(3/4) ድምጺ ኪርኺብ ኣለዎ፡፡
16 ምርካብ
ንብርትን ፓስ ዎርድን
14.1 አካያዲት ሽማግለ
ነቲ 6ተ ወርሒ ግዚአ ኣብቂዓ ብሓዳስ ኣካያዲት ሽማግለ ምስተተኼኤት፡ እታ ኣብ ስራሕ ዚጸንሔት አካያዲት ሽማግለ ነቲ ናይ ገዛ
ፓስ ዎርድን፡ ገንዘብን፡ ሰንዳትን፡ ኻልኦት ኩሎም ብገዛ ዚዉነኑ ንብረትን ነታ ሓዳስ ኣካያዲት ሽማግለ ተረኺብ፡፡ ብተውሳኺ እዚ
ኪብ ኢሉ ዚትፃሓፈ ሕጊ ንቶም ብፍቓዶም ሃልፍነቶም ዘርኩቡንን፡ ናይ ኣሰራርሓ ጉድለታት ስለዚተርኪቦም ብገዛ ሓልፍነቶም ኺለቁ ዚጊደዱ
ኡውን ይምልኼት፡፡
17 አገባብ
ምእንጋድ ህዝባዊ ነቒፌታ ብዛዓባ ገዛ
17.1 አብ ክለተ ወርሒ ገዛ ወግዓዊ ህዝባዊ ነቔፌታ ይቅበል፡፡
17.2 አብቲ ብአካያዲት ሽምግለ ዚውስን ናይነቔፌታ ማዓልቲ፡ እቲ ገዛ በቶም
ኣድሚናት ዘይኾነስ ብኣምሓዳሪቲ ጠርናፊት ሽማግለ- ኺማሓደር ኣለዎ፡፡
17.3 ነቲ ናይ ነቔፌታ ማዓልቲ ዘማሓድሩን ኣምሓዳሪቲ ጠርናፊት ሽምግለ ፡
- ነቶም ነቄፌታን ርእይቶታን ከምዘልዎ ብምቅባልን ምምዝጋብን እምበር መልሲ ምሓብ ኣይግባእን፡፡
17.4 - ኣምሓዳሪቲ ጠርናፊት ሽምግለ እቲ ገዛ ብህዝቢ
ዝተዋህበ ነቂፊታ ክምዘልዎ ውሲዳ - ሱሩዕ ኣኼብኣ ኽትርእዮ ሙዃናን ኸክም እድላይነቱ ኣብ ተግባር ከትዉዕሎ ምዃናን ንህዝቢ ክትሕብር
ኣለዋ፡፡
17.5 ኣድምናት ህዝቢ ነጻ ኮይኑ ኪነቒፍ ምእንታን ብኻልእ ሽም ኣትዮም ነቲ
ናይ ህዝቢ ነቄፊታትን ርእይቶታትን ብጹሞና ኪኻታተልዎ ይመርጽ፡ ነዚኮነ
ነቄፊታ ዳግመ ምልሲ ማሃብ ኣይፍቀድን፡፡
17.6 ዕላማ ናይቲ መድረኽ ሕዝባዊ ነቀፌታ፡ ንዕላማ ናቲ ገዛ ንምምዕባልን ንምርግጋጽን
ድኣ ክከዉን ኣለዎ እምበር፡ ናብ ዉልቐ ሰባት ዘቅንዐ ክኸዉን ኣይግባእን ፡፡
18
አገባብ ምሕጻይን ምምራጽን
18.1 ንኩሎም ኣባላት ቅድሚ 7 ማዓልቲ ምምራጽ ንዚትፈላለይ ሓልፍነት ኪኻይድ
ምካኑ ክሕበር ኣለዎ።
18.2ቀዳማይ ኣኼባ
ምላእተ ጉባኤ ምዝይማላእ፡ ንኻልእይ ግዜ እቲ አኼባ ይማሓላለፍ፡ ኣብቲ ዝተጸውዔ ካልአይ ኣኼባ በቲ ዚተርኺበ ብዚሒ ምርጫ ይኻይድ፡፡
18.3 ኽልተ ዝአባላታ
አምራጺት ሽማግለ ትቀውም፡፡
18.4 ነቲ ሓላፍነት
ኺቅበል ንነብሱ ዝሓጺ እንተሎ ይሕተት፡፡
18.5 ተጋባእቲ ነቲ ሓላፍነት ዚበቁዑ ኣስማት ኻሓጽዩ ይሕተት፡፡
18.6 ኻብቶም ዚታሓጸዩ ብወልቆም ብዝትፈላለዩ ምክንያት ኺስሕቡ ዕድል ይዋሃብ፡፡
18.6 ቐጺሉ ካብቶም ዚተረፉ አቶም ክለተ ዚብዝሕ ድምጺ ዚርኽቡ ናብቲ ምጽርይ ምርጫ
ይሳጋገሩ፡፡
18.8 ኻብቶም አብምጽራይ
ምርጫ ዝአተዉ ኣቲ ዝላዓለ ድምጺ ዚርኸበ ይስዕርን ነቲ ሓልፈነት ይርኸብን፡፡
19 አገባብ
አካይዳ ውሽጣዊ አኼባ
19.1 አኼባ ብወግዒ
ብኣቦ መንበር ይኺፈትን፡ ዝርዝራትን ኣጀንዳ ባአቦ መንበር ይዝርዘር፡፡
19.2 ቐዲሚ ኣኼባ ምጅማሩ ኣብቲ ኣጀንዳ ተወሳኪ ወይካአ ኺማሃይሽን ኺጎዱሉን ኣሎ ንዝብል ኣባል ዕድል ይዋሃብ፡፡
19.3 ቀጺሉ ነቲ ዝቐረበ ኣጀንዳ ኩሉ ስብ ርእይቶ ክህብን 5 ደቂቕ ንኹሉ ብምዓረ
ዕድል ይዋሃቦ፡፡
19.4 ውሳነታት ኹሎም ብድምጺ ይሓልፉ፡፡
19.5 ጻሓፊ ነቲ ዚኸደ አኼባ ውሳነታን ብጉቡኡ ይስንድን ንአባላት መዝገብ ናይ
አኼባ ኣብ ፌስቡኽ ይስድድ፡፡
19.6 ኹሉ ስብ ስዓት አኼባን፡ ኣገባብ ኣኼባን ኣጀንዳ ከኽብር ይግባእ፡፡
20 አገባብ
መራኸቢን ሓበሬታን
20.1 ንኣስልጦ ስራሕን
ቅልጥፍነት ንሓበሬታን መሪሕነት ገዛ ዝጥቀመሉ መርኸቢታት ፓልቶኽ፡ ፌስቡክ፡ ስኻይብ፡ ኢሚልን እዮም፡ ኩሉ ኣባል ማዓልታዊ ንዚኦም ኺኻታተልን፡ ብፍላይ ኻአ ፌስቡክ ኺካታተል ይዕድም፡፡
20.2 ገዛ ምስ ህዝቢ ዝራኻበሉ መገዲ ሓደ ኢሜል ይሕልዎ፡ ኩሎም
ኣባላት ኣዋሓሃዳዲቲ ጠርናፊት ሽማግለን ኣካያዲት ሽማግለን ነቲ ናይ ገዛ ኢሜል ኽርእይዎን ይኻታተልዎ ኣለዎም፡፡
20.3 ኣዋሓሃዲት ኣካያዲት ሽማግለ ኸከም ኣድላይነቱ ናብቲ ገዛ ኢሜል ዚመጽእ ሓበሬታ ምስ ኩሎም አባላት ኺማቀሎ ሓላፍነት ይወስድ፡፡
21. አገባብ ምቅያር እዚ ሕጊ
21.1 እዚ ሕጊ ኺቅይር ኪውስኸሉ ይኽእል እዩ፡ ዚኮነ
ኣባል ነዚ ሕጊ ንምቅያርን፡ ንምውሳኺን ወይ ንምምሕይሽ ምዝደሊ/ትድልይ ብጽሑፉ ነቲ ኪቕይርን፡ ኽማሓይሽን ኪውስኸን ዚደለን ጥቅስታት
ብጽሑፍ ንጠርናፊት ሽማግለ ኺቅርብ ይግባእ፡፡
21.2 ጠርናፊት ሽማግለ ኣብቲ ቀጺሉ ዘሎ ስሩዒ አኼባኣ
ነቲ ዚቀረበ ጠለብ ትርእዮን ትዛተየሉን፡ ቕቡል እንተኾይኑ ነቲ ዚቀረበ ምምሕያሽ ተጽድቆን፡ ንኩሎም ኣባላት ነቲ ዝተማሓየሸ ሕጊ
ብጹሕፍ ናብ ኣባላት ኣብ ዉሽጢ ሓደ ሰሙን ንረፈሮንዱም ተቅርቦን፡፡
No comments:
Post a Comment