ዝኸበርኩም
ኣባላት
ገዛ
ተሻሞ
ኣቐዲምና ምውቕ ሰላምታና ነቕርበልኩም። ብምቕጻል ሳላቲ ከይተሓለልኩምን ብትብዓትን እተካይድዎ ዘለኹም ኣብ ንጹር ራእይን ዕላማን ዝተመርኮሰ ቅኑዕን ቅዱስን ህዝባዊ ኣገልግሎት ገዛና ገዛ ተሻሞ ኣንጻር ኩሎም ተቓውሞታት ገጢሙን ብዓወት ሓሊፍን ሎሚ ብሙሉ ርእሰ ምትእምማን ኣብ ዝሰርሓሉ ደረጃ በጺሑ ይርከብ።
እቲ ሓቂ ከምዚ ይኹን’ ድኣ እንበር ገለ ገለ ዓበይቲ ድኽመታት'ውን ተሻሞ ካብ ዝተፈጥረሉ እዋን ኣትሒዞም ክረኣዩ ዝጸንሑን ምስ ጊዜ ድማ እናዓበዩን እናጎልሑን ንስራሕ ዘሸግሩ ካብ ምዃን ሓሊፎም ኣንጻር ራእን ዕላማን ተሻሞ ክሳብ ምኻድ ዝኸኣሉ ገዘፍቲ ጉድለታት ከምዘለው’ውን ዝከሓድ ኣይኮነን። ምዓልታዊ ኣብ ነካይዶ ቃልሲ ከም ቀንዲ ጭርሖን ራእን እንዛተየሎምን እንካትዓሎምን ዛዕባታት ኣገዳስነት ቅዋምን ቅዋማዊ ምሕደራን ኣገዳስነት ህዝባዊ ምርጫን ብምርጫ ዝትከል መንግስታዊ ምሕደራን ኣገዳስነት ሓባራዊ ውሳነን ሓባራዊ ስራሕን ምውጋድ ውልቃዊ ውሳነታትን ምልካዊ ምሕደራታትን እዮም።
ነዞም ንካትዓሎም ጉዳያት