Saturday, June 15, 2013

Letter written by Gotena_1, Metaabity , Cooby70




ዝኸበርኩም ኣባላት ገዛ ተሻሞ

ኣቐዲምና ምውቕ ሰላምታና ነቕርበልኩም። ብምቕጻል ሳላቲ ከይተሓለልኩምን ብትብዓትን እተካይድዎ ዘለኹም ኣብ ንጹር ራእይን ዕላማን ዝተመርኮሰ ቅኑዕን ቅዱስን ህዝባዊ ኣገልግሎት ገዛና ገዛ ተሻሞ ኣንጻር ኩሎም ተቓውሞታት ገጢሙን ብዓወት ሓሊፍን ሎሚ ብሙሉ ርእሰ ምትእምማን ኣብ ዝሰርሓሉ ደረጃ በጺሑ ይርከብ።

እቲ ሓቂ ከምዚ ይኹንድኣ እንበር ገለ ገለ ዓበይቲ ድኽመታት'ውን ተሻሞ ካብ ዝተፈጥረሉ እዋን ኣትሒዞም ክረኣዩ ዝጸንሑን ምስ ጊዜ ድማ እናዓበዩን እናጎልሑን ንስራሕ ዘሸግሩ ካብ ምዃን ሓሊፎም ኣንጻር ራእን ዕላማን ተሻሞ ክሳብ ምኻድ ዝኸኣሉ ገዘፍቲ ጉድለታት ከምዘለውን ዝከሓድ ኣይኮነን። ምዓልታዊ ኣብ ነካይዶ ቃልሲ ከም ቀንዲ ጭርሖን ራእን እንዛተየሎምን እንካትዓሎምን ዛዕባታት ኣገዳስነት ቅዋምን ቅዋማዊ ምሕደራን ኣገዳስነት ህዝባዊ ምርጫን ብምርጫ ዝትከል መንግስታዊ ምሕደራን ኣገዳስነት ሓባራዊ ውሳነን ሓባራዊ ስራሕን ምውጋድ ውልቃዊ ውሳነታትን ምልካዊ ምሕደራታትን እዮም።

ነዞም ንካትዓሎም ጉዳያት ብቀንዱ ክንመርጾም ዘኽኣለና ኣብ ሃገርና በኹሮም ካብ ዘለው ኣሰራርሓታት ብምዃኖምን ብሰንኮም ድማ ኣብ ክንወጾ ዘይንኽእል ናይ ሽግር ታኼላ ተሸሚምና ብምህላውና እዩ። ከምዚ ስለዝኾነ ገዛና ገዛ ተሻሞ ምሕደራኡ ከምቲ ኣብ ሃገርና ክኾነልና እንሓልሞን እንብህጎን ክኾነልና ትጽቢትናን ትጽቢት ኩሎም መስረትቲ ገዛ ተሻሞን ኔሩን ኣሎን። እንተኾነ ልክዕ ከም ሃገርና ኣብ ገዛና ገዛ ተሻሞውን ዕላማናን ራእናን እንዳተጨወየ ይኸይድ ምህላው ንዕዘብ ኣለና።


ኣብ ምምስራት ተሻሞ ንኽልተ ወርሒ ጥራሕ ንኸገልግል ዝተመርጸ ጊዜያዊ ኣዋሃሃዲት ሽማግለ ብጊዜያዊነት ስርሑ ካብ ዝርከቦ ክልተ ወርሒ ጥራሕ ዘይኮነስ ልዕሊ ሽድሽተ ወርሒ ጊዜ ሓሊፍ ክንሱ ኣዋሃሃዲት ሽማግለ ግን ብዘይ ወግዓዊ ዳግማይ ምርጫ ስርሓ ብጊዜያዊነት ይቕጽል ኣሎ።ብተወሳኪ ብመሰረት ሕግና ጠርናፊት ሽማግለ ቆይማ ናይ ምቁጽጻርን ምጥርናፍን ስርሓ ክተካይድ እንዳተገብኣ ክሳብ ሕጂ መተካእታ ከይተገበረላ ቦኺራን ጸኒሓን ኣላን፡፡ እቲ መቐየድን ምርኩስ ኣስራርሓና ክኾነና ዘርቀቕናዮን ዘጽደቕናዮን ሕጊ ተሻሞ ዕሽሽታዊ ዓይኒ እንዳተራእየን እንዳተጎሰየን ብኣንጻሩ ብዊንታን ድልየትን ውልቀ ሰባት መምሪሒታት ምምሕላፍ ንቡር ኮይኑ። ብሰንኪ ምኽንያት ድማ ኣብ ሕጊ ዘየለውን ብህጊ ዘይተደገፍን ውሳነታት ይመሓለፍ፣ ብዘይ ኣፍልጦን ውሳኔን ኣባላትን ኣድሚናት ንክሰርሑ ይምዘዙ፣ ብዘይ ምርጫ ሽማግለታት ከምዝፍጠራ ይግበር፣ ብሓደ ሰብ ዝቖመ ግን ከኣ ገዛ ዘይተዛረበሉን ዘይተኻትዓሉን ንሰባት ፍርዳዊ ውሳነታት ብምሃብ ካብ ስራህ ካብ ምድስካል ስጋዕ ምስጓግ ዝበጽሕ ስልጣን ዝተውሃቦ ውጽኢቱ ንዕንወት ገዛን ቃልስን ምኻኑ ብኣጋ ዝእምት ዓቢ ጌጋ ከም ምፍጻምን ካልኦት ነዚኦም ዝመስሉ ሕጊ ዘይደገፎም ኣብ ጌጋ ዝተመርኮሱ ኣሰራርሓታት መዓልታዊ ብተደጋጋሚ ክረኣዩ ክንዕዘብ ጸኒሕናን ኣለናን።

ንኣሰራርሓ ገዛ ዘገድሱ ውሳነታት ንምሕልላፍን ንምምሕያሽ ኣሰራርሓናን ኣመልኪቱ ኣኼባታት ምጽዋዕ ካብ ኣዋሃሃዲት ንጽበዮ እኳ እንተኾነ፣ ኩሎም ኣባላት ዝርከቡዎ ኣኼባታት ምጽዋዕ እኳ ይትረፍ፣ ኣብ ክንድኡ ሓው ዩኤል ሕጊ ተኸቲልካ ምስራሕ ኣሸጋሪ ምኻኑን ብኣኼባ ውሳነታት ኣብ ክንዲ ምምሕልላፍ ከከምዝጠዓመካ ክትሰርሕ ከምዝከኣልን ክምዝሓይሽ ኣሚኑ ንልዕሊ 7 ወርሒ ብከምኡ ክሰርሕ ንዕዘብ ኣለና።

ስለዝኾነ ንሕና ካብ መስረቲ ገዛ ተሻሞ ዝኾና Gotena_1, Metaabity , Cooby70 ነዞም ኣብላዕሊ ዝጠቀስናዮም ግጉይ ኣሰራርሓታት ንምውጋድን ራኢናን ዕላማናን ብዝጠልቦ ኣሰራርሓና ብሓባር ኣሪምና ክንጎዓዝ ምእንታን ነዚ ዝጸንሕ ፋሉላዊ ኣካይዳ ምሕደራ ገዛ ተሻሞ መዕገቲ ክንገብረሉ ወሲና ኣለና። በዚ መሰረት ካብዚ ሰዓት እዚ ኣትሒዙ ስጋብ እቲ ኩሉ ዝሳተፈሉን ዝኣምነሉን ወግዓዊ ምርጫ ዝካየድ መፍትህ ገዛና ገዛ ተሻሞ ተቆጻጺርናዮ ኣለና። ነቲ ዘሎ ቃልሲ ንዘይምህሳይ ክበሃል ድማ ነዞም ዝስዕቡ ውሳነታት ነመሓላልፍ፤

1. ኩላትና ኣባላት ገዛ ተሻሞ ነዚ ንሰርሖ ዘለና ስራሕ ዝናኣድን ዝምስገንን እዩ። እዚ ንገብሮ ዘለና ለውጥታት ንረብሓን ንዕብየትን ተሻሞ ምዃኑ ኣሚንናን ንዕላማን ራኢን ተሻሞ ብዝበለጸ ኣበርቲዕና ብሓባር ክንሰርሓሉ ንጽውዕ፤

2. ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኩሎም ኣባላት ተሻሞ ብዝሳተፍዎ ዲሞክራስያዊ ምርጫ 3 ዝኣባላታ ኣዋሃሃዲት ሽማግለ ይምረጽ፡፡ 

3. ኣቃውማ ናይ ዲሲፒሊን ኮሚቴ ሕጊ ዘይተኸተለን ብቀንዱውን ንህላዊኦምን ኣመሰራርትኦምን ዝምልከት ኣብ ዝኾነ ሕጥቦታት ዓንዲ ሕግና ሃሰው ኢልካ ዘይትረኽቦ መዝነት ብምዃኑ፣ ካብዚ እዋን እዚ ኣትሒዙ ኣፍልጦ ከምዘይወሃቦን እሱ ዘመሓላልፎም ውሳነታትውን ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ክትግበሩ ከምዘይከእሉን ንኹሎም ኣባላት ገዛ ተሻሞ ከነፍልጥ ንደሊ።እቶም 3 ኣባላት ናይ ዲስፒሊን ኮሚቴ ነቶም ብወለንታን ብተወፋይነትን ንዘገልግሉ ዘለው ካልኦት ኣባላት እዮም ዲስፕሊን ንክገብሩ ተመሪጾም ዘለው። እዚ ኣሰራርሓ እዚ ከመይ ኢሉ እዩ ፍትሓዊ ክኸውን ዝኽእል? እቲ ቃልዲሲፒሊንንባዕሉመቅጻዕቲማለት ስለዝኾነ፡ ንሕና ክንጥቀመሉ ኣይግባእን። ደቂ ሰባት ብሓንሳብ ኮይኖም ክሰርሑ ከለው ዘይምርድዳእን ግርጭትን ክፍጠር ባህርያዊ ስለዝኾነ፣ ነቲ ዝፍጠር ግርጭት ይኹን ዘይምርድዳእ ክፈትሑ ዝኽእ ሓልዮት ናይ ገዛ ተሻሞ ዘለዎም፣ ዘይኣባላትን ነጻ ዝኾኑ ፍትሓውያን፣ ግሉጻት ሰለስተ ዝኣባላታ ኮሚቴ ሙቋም ከድልይ እዩ። እቶም ዝምረጹ ሰባትውን እንተኾኑ ነቲ ስርሖም ዝሕግዞም መደብ ስራሕን ሕግን ምርቓቕ ከድልይ እዩምበር ሰብ ከም ዝስምዖን ዝመስሎን ክፈርድን ክውስንን ከነፍቅድ ኣይግባእን።

4. እዞም ኩሎም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም ጉድለታት ዳርጋ ኩላትና ኣወሃሃድቲ ስራሕን ኣባላትን ተሻሞ እንፈልጦም ድኽመታት ኮይኖም ገና መእረምታ ዘይገበርናሎም ክንስና ህዝቢ ብምዕዳም ብዛዕባ ድኽመታትና ክዛረቡ ምግባር ማለት ንዝያዳ ሓደጋ ዘቓልዕ ምዃኑ ንኣወሃሃዲት ሽማግለ ተሻሞ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ገለ ካብ ኣባላት ስለዝተቓወሙ እቲ ዝተሓስበ ከምዝተርፍ ተጌሩ። እዛ ብሕጊ ቅብልቲ ዘይኮነት ናይ ዲሲፒሊን ሽማግለ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝቐረበ ተቓውሞ ከይፈተሸትን ከይገምገመትን እንደገና ተመሳሳሊ መደብ ምውጣና መቐጸልታ ናይቲ ክረእ ዝጸንሕ ጌጋ ኣብ ልእሊ ጌጋ ከም ምዃኑ መጠን ህላወን ኣድላይነትን ናይዛ ሽማግለ ብሕጊ ኣብ ዘይተኣምነሉ እዋን ከምዚ ዝዓይነቱ መደብ ምድላው ብዝኾነ ይኹን መዕቀኒታት ዘይርትዓውን ዘይቅቡሉን ብምኻኑ: 'ድኽመታትና ንምግምጋም' ብዝብል ንጽባሕ ተዳልዩ ዘሎ መደብ ንኸይትግበር ኣጥቢቕና ነጠንቅቕ።

ኣብ መደምደምታ ነዚ ሕጂ ወሲድናዮ ዘለና ስጉምቲ ብሓሌትን ብጽቡቕ ድሌትን ከምዝወሰድናዩ ክንሕብረኩም ንደሊ። ራእይን ዕላማን ገዛ ተሻሞ ኣቐዲምና ዲሞክራስያውን ፍትሓውን ኣሰራርሓ ኣብ መዓልታዊ ስራሕና ኣተኣታቲና ነንሕድሕድና እንዳተኸባበርናን እንዳተረዳዳእናን እንዳተጸዋወርናን ንህዝብና ከምነገልግልን ቃልስና ከምነሕይልን ግቡእና ከምንፍጽምን እምነትና እዩ። 

ምስ ምስጋናን ሰናይ ትምኒትን
6 ግንቦት 2013

No comments:

Post a Comment