Sunday, June 16, 2013

Teshamo Arbitration Committee 1st and Last Report

 ሓጺር ጸብጻብ ዓራቂት ሽማግለ ሩም ተሻሞ 

ክቡራት ብጾት ብቀዳምነት ሰላምታና ይብጻሕኩ
ክቡራትን ክቡራንን ኣድሚናት ሩም ተሻሞ፡ ከም ትፈልጥዎ ኣብቲ ናይ መጀሪያ ሓባራዊ ኣኼባ ዝነበረ ንልዕሊ 6 ሰዓት ዝተኻታዕናሉ መዓልቲ ዳርጋ ኣብ ዘይምርድዳእ ምስ በጻሕና ሰለስተ ዝኣባላታ ሽማግለ ነቲ ዘይምርድዳእ ዝነበረ ግርጭት ትርኢ መሪጽና።
1) ሽማግለ ኣብ መጀሪያ ኣኼባ ዝረኣየቶ ካብቲ ናይ ሽዑ ዝነበረ ዝርርብ ነቲ ጉዳይ ክትመዝኖ ፈቲና ድሕሪ ምግምጋም ድማ ንመበገሲ ግርጭት ኮይኑ ዘሎ ሻነኻት ብጉጅለ ሃን ለን ክትርኢ መሪጻ። 

ጉጅለ ሀ፡ እታ ዝነበረት ግዝያዊ መሪሕነት ኢዩ፡
ጉጅለ ለ፡ እቲ ኣኼባ ዝጠለበ ኮድ ዝወንን ኢዩ፡
እምበኣር ነዚ ኩሉ ብምርኣይ ንክልቲኡ ጉጅለታት በበይኖም ክትረኽቦን ወሲና፡ ስለዚ ቀዳማይ ርክብ ምስ ጉጅለ ጀሚርና።
1) ምስ ጉጅለ (metaabity, gotena and coobe) ዝኣክል ምስ ዝተዛራረብና ጠለባቶም እውን ርኢና፡ ሕቲታቶም እውን ሰሚዕና፡ ከም ጠለባት ኣርባዕተ ነጥቢ እኳ እንተነበረ ኣጠቃሊልካ ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ ካብ ቁዋም ተሻሞ ወጻኢ ስለ ዝኸደ እቲ ሽማግለ ኣብዚ ውሳኔ ክንበጽሕ ተገዲድና ኢሎሙና።

2) ድሕሪኡ ምስ ጉጅለ (Yoel, Daniel and Treter) ተራኺብና፡ ሕቶታት ብዘቅረብናሎም መሰረት እቲ ጠለባት ከም ቅቡል እኳ እንተወስድዎ ጠለብ ናይ መሪሕነት ምቅያር ብኻልእ ጉዳይ ኣኼባ ዝተኣከብናሉ ግዜ ንመጀመሪያ ኢና ተሓቲትና መልስና ድማ ብንጹር ኣቀሚጥና፡ ንሱ ከኣ ሎሚ ብኻልእ ጉዳይ ተኣኪብና ስለ ዘሎና እምበር ጠለባትኩም ኣብ ቦትኡ ኢልና መሊስናሎም ኢና።

ድሕሪ እዚ ሽማግለ ነቲ ጉዳይ ብዕምቆት ርእያቶ፡

1) ኣብ ክልቲኡ ወጋናት ውልቃዊ ግርጭት ወይ ቂምታ ከምዘይብሎም ኣረጋጊጻ፡ 

2) እቲ ሽግራ ካብ ኣሰራርሓ ጉድለተት ዝመንጨወ ምዃኑ ገሚታ፡

3) ብኽልቲኡ ሸነኽ ቅድሚ ኩነት ኮይኑ ዝተቀመጠ ነጥቢ ጉዳይ ኮድ ብምንባሩ ብኸመይ ይፈታሕ ኣብ ዝብል ተዘራሪባ።

ጉጅለ ከም ቅድሚ ኩነት ዘቅረቡዎ ኮድ ነዛ ዓራቂት ሽማግለ እንተዘይ ተዋሂቡ ንትምረጽ ሓዳስ ሽማግለ ክወሃብ ውሕስነት የብልናን፡ ስለዚ ኮድ ነዛ ሽማግለ ክወሃብ ኣሎዎ። 
ጉጅለ እቲ ኮድ ንትምረጽ ሽማግለ ኢና ንህባ ዝብል ኢዩ ነሩ።
እምበኣር ሽማግለ ካብዚ ገምጋም ተበጊሳ ነቲ ሽግር ከም መፍትሒ ብደሞክራሲያዊ ኣጋባብ ብብዝሒ ድምጺ ኮድ ነየናይ ሸነኽ ከም ዝወሃብ ዘዋጽእ ክኸውን ይክእል ኢዩ ካብ ምባል ተበጊሳ ኣብ ውሳኔ በጺሓ።
ኣብ ቀዳማይ ኣኼባ ምልኣት ስለ ዘይነብሮ ንኻላይ ኣኼባ ተሰጋጊሩ፡ ብዕለት 26. 05. 13 ኣኼባና ግን ምልኣት ስለ ዝነበሮ ብቀጥታ እቲ ሽማግለ ዝወሰኖ ውሳኔ ክትግብር እኳ እንተፈተነ ብጉጅለ ተቃበልነት ኣይረኸበን። ድሕሪ እዚ ሽማግለ ንጉጅለ ለን ሀን ርእይቶም ክሰምዕ ፈቲኑ፡ ዘየረዳድእ ኵነታት እና ጉሃረ ምስ ከደ ናይ ኩሎም ኣኼበኛታት ርእይቶ ክሰምዕ ተገዲዱ፡ ካብ ኣድሚናት ርእይቶታት ድሕሪ ምስማዕ ኣብ ካልእ ፍታሕ ከናዲ ወሲኑ፡፡
1) ኣብ ዝቀረበ ግዜ ኣኼባ ክጽውዕ ኣብዚ ኣኼባ እዚ ሓዳስ መሪሕነት ክመርጽ 

2) ኣብዛ ሓዳስ እትምረጽ መሪሕነት ጉጅለ ለን ሀን ከይህልዉ 

3) ስልጣን እትምረጽ ሽማግለ ሩምን ኣብ እተወሰላ ግዜ ክትመርሕ

4) ንውሽጣዊ ቁዋም ተሻሞ እትነድፍ ሽማግለ ይመዘዝ 

5) ዝተመዘዘት ሽማግለ ንዝነደፈቶ ውሽጣዊ ቁዋም ኣብ ኣባላት ምዝርጋሕን ካብ ኣባላት ንዝመጽእ ተውሳኽን መኤረምታን ርእያ ኣብ ጠቅላሊ ጉባኤ ከተብጸሓና፡ እዚ ፍታሕ እዚውን ጉጅለ (metaabity, gotena and coobe). ኣይተቀበለቶን።

መተሓሳሳቢ፡ ሽማግለ ካብ ትምረጽ ንልዕሊ 11 ኣኼባታት ኣካይዳ፡ እዚ ኩሉ ኣኼባታት ኣካይድና ከነብቅእ ዘይምዕዋትና ዘሕዝን ኢዩ። ክኸውን ኢልና ዘይተጸባናዮ ብጉጅለ ለን ሀን ኣብ ልዕለና ብዙሕ ጸለመ ናይ ጉጅለ ኣብቲ ኣኼባ ተላኢኽኩም ኢና ተባሂልና፡ ብጉጅለ ድማ ብኣማኒኤል ግርማይ ተመሳሳሊ ክስታት ቀሪቡና፡ ንሕና ግን ከም ሽማግለ ኣብቲ ግርጭት ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋወሪ ርእይቶ ክህበና ከምዝኽእል ንቡር ኢዩ፡ ንሕና ግን ንቲ ጉዳይ ምስ ጀመርና ኣትሒዝና ርእይቶና ዓቂብና ቀጻልነት ናይ ሩም ተሻሞ ኣብ ቀዳማይ ቦታ ሰሪዕና ነቲ ሽግር ክንፈትሕ ኢና ተበጊስና።
ሽማግለ፡


Ex fbi
Gombele
Wedebat

No comments:

Post a Comment